Friday, July 24, 2015

ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ከተማ ሓውዜን ዝርከቡ ኣማሓደርቲ ኢንቨስት ክገበሩ ካብ ወፃኢ ንዝመፁ ዜጋታት፣ ምስ ህዝቢ የባእስዎም ከም ዘለዉ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከቡ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ናይ ዞባታትን ወረዳታትን ካድረታትን ኣባላትን ኣኪቦም ኣብ "ፕላኔት" ሆቴል ዘካየድዎ ኣኼባ ብዘይ ፍረ ከም ዝተበተነ ካብ'ታ ከተማ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

ከንቲባ ከተማ ባህርዳር ሃፍቲ ህዝብን ሃገርን ኣብ ዉልቃዊ ረብሕኡ ኣዉዒሉ ተባሂሉ ንግዝኡ ተታሕዙ እኳ እንተነበረ፣ ኣብ ሓፂር እዋን ብምፍትሑ ድማ ህዝቢ ይቃወም ምህላዉ ተገሊፁ።

ኣብ ከተማ ዓድዋ ንስፖርት ተባሂሉ ዝተሰለዐ ባጀት ኣብ ስራሕ ከይወዓለ ብሰበ ስልጣን ብምብልዑ ናይ ተቓዉሞ ሰልፊ ከም ዘኸተለ ተሓቢሩ።

ኣብ ከባቢ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ዝርከቡ ስራዊት ምክልኻል ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ባዕሎም ንባዕሎም ይቃተሉ ከም ዘለዉ ተገሊፁ።

በአዲ ሃገራይ አካባቢ የሚገኝ ለግዜው ስሙ ያልታወቀው ወታደር 3ት ኮነሬሎችና ሌሎች በርከት ያሉት ወታደሮች በመግደል ራሱን እንዳጠፋ ከአካባቢው የደረሰን መረጃ ገለጸ።

በዓዲ-ግራት ከተማ የሚገኘው ህዝብ ከመጠን በላይ ግብር እንዲከፍል በስርዓቱ እየተገደደ መሆኑ ታወቀ።