Friday, September 18, 2015

መን' ዩ ወዲ ህዝቢ?

ኣብዚ ሰሙን እዚ ንጉዕዙይ ምሕደራ ሰርዓት ወያነ ኢህደግ ብምቅዋም ብርክት ዝበሉ መንእስያት ናብ ወድብ ዴምህት ከም ዝተፀምበሩ ካብ ክፍሊ ታዕሊም ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

ኣብ ክልል ዓፋር ዝርከቡ ላዕለዎት ሹመኛታት ወያነ ኢሕወዴግ ስልጣን ዝመበገሲኡ ዘይምስምማዕ ፈጢሮም ከምዘለዉ ምንጭታትና ካብቲ ቦታ ብዝለኣኽዎ ሓበሬታ ክፍለጥ ተኻኢሉ ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ንፅርዬት ትምህርቲ ዕንቅፋት ዝኾኑ ዘለዉ መምህራን እዮም ክብሉ ዘቐረብዎ ሓሳብ ብመምህራን ተቐባልነተ ከምዝሰኣነ ተፈሊጡ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ኣባላት ፌደራል ፖሊስ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ግፍዕታት ይፍፅሙ ምህላዎም ምንጭታትና ካብታ ከተማ ሓቢሮም።