Wednesday, June 1, 2016

ነባሪ ህዝቢ ድሬዳዋ ብዕለት 20 ጉንበት 2008 ዓ/ም ንግዕዙይ ኣካይዳ ስርዓት ኢህወደግ ብምቅዋም ውዕውዕ ሰላማዊ ሰልፊ ከም ዘካየደ ተፈሊጡ።

ኣብ ከተማ ቆቦ ህዝባዊ ቁጥዐ ተላዒሉ ነዚ ስዒቡ ድማ ብርክት ዝበለ ህዝቢ ብፌደራል ፖሊስ ከም ዝተጎድአ ተገሊፁ።

ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ዩኒቨርስቲ ዉልቅጤ ብዝተላዕለ ናይ ሓዊ ቃፀሎ ሓደጋ፣ ብርክት ዝበሉ ተማሃሮ ከቢድን ቀሊልን መቑሰልቲ እንተጋጥሞም፣ ሓደ ናይ ተምሃሮ ህንፃ ድማ ሙሉእ ብሙሉእ ከም ዝዓነወ ተፈሊጡ።

ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ወረዳ ሓውዜን ኒው ሚሊኑዮም ቪለጅ ብዝብል ዝፅዋዕ ናይ ደገ ትካል ውሑዳት ዝርቡሑሉ ትካል እዩ ክብሉ ገለ ነበርቲ ከተማ ሓውዜን መረረቶም ኣብ ምግላፅ ከም ዘሎው ተፈሊጡ።

ታሪክ ዕጥቃዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ንምፅሓፍ ህዝቢ ገንዘቡ የዋፅእ ዝብል ጎስጓስ ንምክያድ ብላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ነበር ኮሚቴታት ከም ዝተጣየሻ ተፈሊጡ።

በትግራይ ምስራቅዊ ዞን ሃወዜን ወረዳ ኒው ሚሊኑዮም ቪለጅ በሚል የሚጠራ የውጭ ድረጅት ጥቂቶች የሚጠቀሙበት ደርጅት ነው ሲሉ አንዳንድ የሀውዜን ከተማ ነዋሪዎች ምሬታቸውን በመግለፅ ላይ እንዳሉ ለማወቅ ተችሏል።

ሰሞኑን በወልቂጤ ዩኒቨርስቲ በተከሰተ የእሳት አደጋ በርካታ ተማሪዎች ከባድና ቀላል የመቁሰል አደጋ ሲደርስባቸው አንድ የተማሪዎች የማደሪያ ህንጻ ደግሞ ሙሉ በሙሉ በመውደም ከጥቅም ውጭ እንደሆነ ታወቀ።

የትግራይ ህዝብ የትጥቅ ትግል ታሪክ ለመፃፍ ህዝብን ገንዘብ አዋጡ የሚል ቅሰቀሳ ለማካሂድ የህዋሃት የበላይ ነባር አመራርች ኮሚቴ እንደተደራጀ ተገለፀ።

በቆቦ ከተማ በገዢው ስርአት ያነጣጠረ ህዝባዊ ተቃዉሞ በመነሳቱ ምክንያት በርከት ያለ ሰላማዊ ህዝብ በፈደራል ፖሊስ ጉዳት እንደደረሰው ተገለፀ።

የድሬዳዋ ነዋሪ ህዝብ ግንቦት 20 2008ዓ/ም የአምባገነኑ የኢህአዴግ መንግስት አሰራር በመቃወም ሰፊ ሰላማዊ ሰልፍ እንዳካሄዱ ታወቀ።