Monday, September 12, 2016

ውድብ ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ ዴምህት ካብ 28 ናሓሰ 2008 ዓ/ም ክሳብ 04 ጳጉሜን 2008 ዓ/ም ዕዉትን ታሪኻውን 2ይ ውድባዊ ጉባኤ ብምስላጥ ብዓወት ከም ዝዛዘመ ፖለቲካዊ ቤት ፅሕፈት ዴምህት ኣፍሊጡ።

ህዝብታት ሃገርና በዓል ቁዱስ ዮውሃንስን ሓዱሽ ዓመትን ብናህሪ ዕዳጋታትን ስግኣትን ከም ዘኽበሮ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ናይ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰል ኮምሽን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ቅሊንጦ ብናይ ሓዊ ባርዕ ምኽንያት ህይወቶም ናይ ዝሓልፉ እሱራት ወገናት መንነት ከፃሪ እየ ከምዝበለ ተፈሊጡ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ከተማ ጆሃንስበርግ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ሓዱሽ ዓመት 2009 ዓ/ም ፀሊም ክዳን ብምኽዳን ብስርዓት ኢህወደግ ንዝተቐትሉ ወገናቶም ዘኪሮምዎም ከምዝዋዓሉ ተፈሊጡ።