Monday, December 11, 2017

ኣብዚ ሰሙን እዚ ንምልካዊ ኣገዛዝኣ ስርዓት ኢህወደግ ብምቅዋም ብርክት ዝበሉ መንእሰያት ሃገርና ናብ ክፍሊ ታዕሊም ዴምህት ከምዝተፀምበሩ ወኪልና ካብ ክፍሊ ታዕሊም ዴምህት ሓቢሩ።

ብሰንኪ ምችው ዝኾነ መምሃሪ ክፍልታት ዘይምህላው ትምህርትና ብግቡእ ክንከታተል ኣይከኣልናን ክብሉ ኣብ ከተማ ዳንሻ ዝርከቡ ተምሃሮ ገሊፆም።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ወረዳ እንሳር ዝርከቡ ነበርቲ ከቢድ ናይ ማይ ፀገም ኣጋጢምዎም ከምዘሎ ተፈሊጡ።

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብምኽንያት መሊስካ ምልማዕ ማእለያ ዘይብሎም ኣባይቲ ይፈርሱን ኣብቲ ዝተተለመሎም ግዜ ክሕደሱ ከምዘካኣሉን ተፈሊጡ።

ኣብ ከተማ ሻሸመኒ ኣብ ደቀቕትን ኣናእሸተይ ንግዲ ትካላት ብማሕበር ተወዲቦም ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ዝተዋፈሩ መናእሰይ ናይ ልቓሕ ሓገዝን መስርሒ ቦታን ብዘይምርካቦም ምኽንያት ይፅገሙ ምህላዎም ገሊፆም።

ኣብ ውሽጥን ዙርያን ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ነፃ ኣገልግሎት መጉዓዝያ ክንረክብ ኣይከኣልናን ክብሉ ኣረዲኦም።